ን ሎሚ 25 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ንጥንታዊያን ወነንቲ ናይዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ብተወሳኺ ንጥንታውያን ወነንቲ ሎሚ ካብ ትሰምዕዎ ዘለኹምን ኩሎም መሬታትን ኣቦርጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣፍልጦ ንህብ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን “ቀይ ባህር ሲቀላ” ትብል መጽሓፍ ኣብቲ ህዝባዊ ግምባር ን ከተማ ባጽዕ ዝተቐጻጸረላ 1990 ዝነበረ ዘሰክሕ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ትትርኽ መጽሓፍ ተሓቲ ... Show More