ንሎሚ ሓሙስ 21 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብዚ ቅሩብ እዋን “ቀይ ባህር ሲቀላ” ትብል መጽሓፍ ኣብቲ ህዝባዊ ግምባር ን ከተማ ባጽዕ ዝተቐጻጸረላ 1990 ዝነበረ ዘሰክሕ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ትትርኽ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣላ። እዛ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ህልቂት ሰባት ትትርኽ ናይ ብሓቂ ታሪኽ፡ ኣብቲ ኩነታት ዝነበረን ነቲ ኩነታት ዝረኣዮን ዝሰምዖን ብመጽሓፍ ሰኒዱ ዝጸሓፋ ዶ/ር ፍርድኣወቀ ማሞ ዝገበርናዮ ዕላል ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ • ቀዋሚ ማእከል ምክልኻል ኣምበጣ ምድረበዳ ... Show More