ጽምዋ ሰላሕታ'ዩ፣ ዘይረአ ለበዳ ናይ ግዜና። ኩላህና ኣብ ገለ እዋን ኣብ ህይወትና ዝስመዓና’ዩ ክብሉ ክኢላታት ይሕብሩ። ንዝበዛሕና ንገለ እዋን ጥራይ ዘጥቃዓና ወይ ዘጋጥመና ሓላፊ ክኸውን’ንከሎ ንገሌና ግን ቀጻሊ ምሳና ዝኸይድ፣ ብሓጎስ ዘይተቐበልናዮ መሰነይታ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ። እዚ ትሕዝቶ ጽምዋ ከመይ ንርድኦን መፍትሒታቱን ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ኤስቢኤስ ካብ ዝቐረቡ ትሕዝቶታት ዝተጠናቐረ’ዩ።