ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ዝነብር ኤርትራዊ ካናዳዊ ኮይኑ ናይ ሓያሎ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ክኢላ ስነልቦና’ዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን መድረኻት ብዙሕ ኣስተምህሮን ምኽርን ዝህብን ዝጽሕፍን’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 'መባእታዊ ትምህርቲ ጥዕና ኣእምሮ' ትብል መጽሓፍ ኣዳልዩ ንሕትመት ኣቕሪቡ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ፣ ጽልዋታት ስደትን ሓድሽ ናብራን፣ ህጻናትን መንእሰያትን፣ ወዘተ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዕላልና (https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast-episode/sbs-tigri ... Show More