ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (10 ሓምለ 2025) * ዕጡቓት ሓይልታት ሑዚ ናይ የመን ካልኣዮም ኣብ’ዚ ሰሙን ዝኾነ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ድሕሪ ምጥሓሎም 4 ኣባላታ ክሞቱ’ንከለዉ 15 ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽቡን * ናይ ኣየርን መሬትን መጥቃዕታታ ኣብ ዝወሰኸትሉ እዋን ሩስያ ክብረወሰን ዝኾነ 728 ድሮናትን 13 ሚሳይላትን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተኲሳ * ፕሪምየር ግዝኣት ታዝመንያ ጀረሚ ሮክሊፍ ቅድሚ’ቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ግዝኣታዊ ምርጫ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ነበርቲ ንዝኮኑ ማሕበረሰባት ከይዱ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ኣካይዱ