ሎሚ ሓሙስ 09 ጥቅምቲ 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፡ ንሱዳናዊ ኣዛዚ ሚሊሻ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብድ-ራሕማን ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ። ነቲ ኣብ ግጭት ዳርፉር ዘጋጠመ ኣስታት 300,000 ሰባት ዝቐተለን ብግምት ካብ 2.7 ሚልዮን ሰባት መዛበለን ግፍዒ ፡ ናይ ፈለማ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እዩ ። ሙሳብ ሓሰን ዝበሃል ካብዚ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓነ ሰብኣይ: እቲ ብይን ንኹሎም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ቀሪ ... Show More