ኣውስትራሊያዊት ጸሓፊት ፕሮፌሰር ስተፈን ስተጋል ድማ ኣብ 2021 ብዛዕባ’ቶም ኣብ 3 ጥቅምቲ 2000ዓ/ም ንፕረሲደንት ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ብምኽንያት ዶብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ኲናት ኣተሓሕዛኡን ተሓታትነት ክህሉን ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ደብዳበ ጽሒፎም ዘረከቡ ብልሙድ ጉጅለ 13 ወይ ጂ13 ተባሂሎም ዝፍለጡ 13 ሰብ ሞያን ምሁራንን ዝምልከት መጽሓፍ ጽሒፋ ኣላ። ገለ ካብቶም ነቲ ደብዳበ ጽሒፎም ንፕረሲደንት ኢሳያስ ዘቕረቡ፡ ዶ/ር በረኸት ተስፋስላሰ፡ ዶ/ መሓመድ ኬር ዑመር፡ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋግዮርጊስ፡ ፍሉጥ ገጣሚ ርእሶም ሃይለን ካልኦትን ይርከብዎም። ኣርእስቲ ናይታ ዶ/ር ስተጋል ዝጸሓፈታ መጽሓፍ “The Eritrean Letter Writers; Dear Mr. President”. ዝብል እዩ። ብዛዕባታ መጽሓፍን ምስኡ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ኣዕሊልና ኣለና።